
Nederlands Tigrinya Engels Grammatica
እዛ መጽሓፈ ስዋስው ብምዕቡል ዝዀነ ኣገላልጻ ብትግርኛን ብእንግሊዘኛን ብስርዓት ዝተዳለወት መጽሓፍ እያ፡፡
“ምሕሳብን ቃላትን ብሓደ እዮም ዝኸዱ” ከም ዝበሃል፡ ቋንቋ ናይ ሕ/ሰብ እኩብ ቃላትን ኰይኑ ብስዋስዋዊ ኣገባብ ድማ ብግልጺ ንኽርዳድኡ ዘኽእሎም መላ እዩ ኪበሃል ይከኣል። ንኣብነት ህጻን ሱቕ ኢሉ ሓደ ቃል የውጽእ እሞ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዘድመጾ ድምጺ እንታይ ከም ዝዀነ ይፈልጥ፡ ነቲ ብሃንደበት ዘድ ሃዮ ቃል ብዘይ ገለ ጸገም ብውዕዉዕ መንፈስ ደጋጊሙ ከድምጾ ይጅምር ንወለ ዱ ድማ ደስታ ይህቦም፡፡ ድሕሪኡ ከናፍሩ ክቈጻጸር ይጅምር እሞ ኣብ መወዳእ ትኡ ብመልሓሱ ክዛረብ ይጅምር፡፡ ስለ ዝዀነ ከኣ ሓሳባትካ ንምግላጽ ቃላት የድዩኻ። እዞም ቃላት'ዚኦም ትርጉሞን ኣጠቓቕመኦምን ብስዋስው መልክዕ ድማ ምእሳሮም እቲ ቀንዲ ቋንቋ ንምምሃር ዝድግፍ መሳርሕ እዩ።
ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ባዕዲ ቋንቋታት ምፍልላይ ብቐጥታ ኰነ ብተዘዋዋሪ መንገድታት ንውልቀ ሰባት ይኹን ወይ ንሓደ ሕብረተ ሰብ ኣብ ነንሕድሕዱ ንኸይራኸብን ንኸይረዳድእ ከምኡውን ንኸይመያየጥን ከም መጋረጃ ዝዓግት ደበና ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ነዚ መሰናኽል'ዚ ንምእላይ እውን ናይ ምትርጓም ቋንቋታት ዓቢዪ ግደ ከም ዝጻወ ት ንእመን እምበር፡ ቃላት ብግቡዕ ብስዋስዋዊ ስርዓት እንተ ዘይተጠምሩ ብዝሒ ቃላት ምስ ካላኦት ከረዳድኣካ ኣይክእልን እዩ።
ብዙሓት ሊቃውንቲ ከም ዝገለጽዎ ቋንቋ ክበሃል እንከሎ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ወዲ ሰብ
ሓሳባቱ ፡ ድልየቱ ሰምዒቱ ፡ ወይ ርእይትኡ ንምግላጽ ብድምጽን ቅር ጽን ዝጥቀመሉ ሰብኣዊ ናይ መረዳድኢ ኣገባብ እዩ።
Auteur | | Berhe Tesfay |
Taal | | Nederlands |
Type | | Hardcover |
Categorie | | Taal |